3 Sept 2026, 17:48 UTC44 views2 reactionsread 3 September 2026 ✅ትኽክለኛ ዓርኪ መን እዩ ? 📌
‼ሓደ ሰብ ሰለስተ ኣዕሩኽ ነበርዎ ፡ ንሰለስቲኦም ድማ ብጣዕሚ እዩ ዝፈትዎም። ብዙሕ ነገር እዩ ዝገብረሎም ፡ ሓደ ግዜ ኣብኡ "ወደይ ኣዕሩኽ ኣለውኻ ? " ኢሉ ሓተቶ "እወ ሰለስተ ኣለውኒ ብጣዕሚ ይፈትውኒ ፡ ኣነውን ይፈትዎም በሎ ፡፡
👉 ኣብኡ ድማ "ካብ ሰለስቲኦም ናይ ልቢ ዓርክኻ መን ዩ በሎ ?" "ኩሎም ኢሉ መለሰሉ " "ርግጸኛ ኢኻ ዝወደይ " ምስ በሎ ኣብኡ "እወ" በሎ ፡፡ "
🤔ከምዚ እንተኾይኑ ፡ ዝኾነ ምኽንያት ንፍጠር ሞ ፡ ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ምዃኖም ነረጋግጽ" ብምባል ንኣዕሩኹቱ ክፍትኖም ሓበሮ ፡ ወዶም ድማ ፡ ኣባኡ ብዝበሎ ሓሳብ ተሰማሚዑ ንኣዕሩኹቱ ክፍትኖም ተሰማምዐ ።
👉 ንሓደ ዓርኩ …
❤2
⛪ ቃል ኣምላክ ..tube pinned «ዝጠፍአ ወዲ ሓደ ዝጠፍአ ወዲ፣ ኣብ በረኻ ንክሃድን ኢሉ ኣብ ዝወጸሉ ጊዜ ጠፍአ። ሓደ ሃብታም ሰብ ድማ ረኸቦ። እዚ ሃብታም ሰብ፣ ዝደለዮ ዝሽሕር ፣ ዝደለዮ ዝሾም፣ ዝጠፍአ ዘምፅእ ፣ ዝደለዮ ድማ ዘጥፍእ እዩ። ነቲ ዝጠፍአ ወዲ ምስ ረኸቦ ሓቘፎ። ነቲ ዝተናዕቀ ወዲ ድማ ምስኡ ወሰዶ። “ኣገልጋሊየ ኩን” ደማ በሎ። ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቱ ዘዳለዎ ቦታ ድማ፣ ብእኡ ዝተሾመ ሓደ መራሒ ነበረ። እቲ…»
2 Sept 2026, 19:24 UTC138 views3 reactionsread 3 September 2026 ዝጠፍአ ወዲ
ሓደ ዝጠፍአ ወዲ፣ ኣብ በረኻ ንክሃድን ኢሉ ኣብ ዝወጸሉ ጊዜ ጠፍአ።
ሓደ ሃብታም ሰብ ድማ ረኸቦ። እዚ ሃብታም ሰብ፣ ዝደለዮ ዝሽሕር ፣ ዝደለዮ ዝሾም፣ ዝጠፍአ ዘምፅእ ፣ ዝደለዮ ድማ ዘጥፍእ እዩ።
ነቲ ዝጠፍአ ወዲ ምስ ረኸቦ ሓቘፎ። ነቲ ዝተናዕቀ ወዲ ድማ ምስኡ ወሰዶ።
“ኣገልጋሊየ ኩን” ደማ በሎ።
ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቱ ዘዳለዎ ቦታ ድማ፣ ብእኡ ዝተሾመ ሓደ መራሒ ነበረ። እቲ ሃብታም ሰብ ነቲ መራሒ ዝሾሞ ነቲ ወዲ ክሓጽቦን ኣገልጋሊ መንግስቱ ክገብሮን ክሾሞን ኣዘዞ።
እቲ መራሒ ድማ ሓፀቦ ሾሞ፣ ባረኾ።
እቲ ሃብታም ሰብ ግና፣ እቲ ዘለውዎ ቦታ ግዝያዊ ስለ ዝነበረ፣ ንዘለኣለም ዝነብርሉ ቤት ከዳሉን ክጽበየን ከደ።
ነቲ ዝሾሞ መ…
😢2❤🔥1
1 Sept 2026, 10:27 UTC206 views10 reactionsread 3 September 2026 ኣብ ገዛ ሰላም እንተዘይሃልዩ፣ እቲ ቤት ናብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝቕየር። ሓዳር ናይ ሓባር ጾር ብትዕግስቲ ዝጽወረሉ እምበር ናይ ክርክርን ቁጣዐን መድረኽ ክኸውን ኣይግባእን። እታ ብትዕግስትን ብምግታእ ልሳንን እትመሓደር ሰበይቲ ንቤታ ትሃንጽ፣ እታ ነግራምን መስቀቒቲን ግን ነቲ ናይ ፍቕሪ ህንጻ ብኢዳ ተፍርሶ።"
✍️ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ
https://t.me/wengiel81
❤9🙏1
31 Aug 2026, 11:47 UTC298 views16 reactionsread 3 September 2026 Photo
ካብ ሰባት ስለ ዝረሓቀ ሰላም ዝረክብ ዝመስሎ፣ ሰላም ብጽምዋ ዝርከብ ስለዝመስሎ እዩ። ጽምዋ ግን ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ ስለዘለዎ ናብ ዘይሓሰቦ ወልፊ ይኹን ሕማማ ይመርሕ።
ጽምዋ፥ ንጹህ ሕልና፣ ትብዓት፣ ግቡእካ ምፍጻም፣ ትሕትና፣ ጽቡቕ ልማዳት፣ ስርዓት፣ ርእሰ ግትኣት፣ ትግሃትን ካልእን ይሓትንን።
እዚ ባህርይ እዚ ድማ ምስ ሰብ እናነበርካ ተጥርዮ ወሳንቲ ነገራት እዩ።
ሰላም ግቡእካ-ብምፍጻም፣ ዕቤት እግዚኣብሔር ብምርዳእን ብምእማንን ምስኡ ብምህላውን ዝፍጠር ስምዒት እዩ። ምሕላውን ምኹስኳስን የድልዮ።
ነዚ ባህርይ እዚ ዝሃነጽዎ ኣብ እዋን መከራን ሽግርን እኳ እዚ ስምዒት እዚ ካብኦም ኣይጠፍእን። ምኽንያቱ እምነት ኣለዎም፣ ግቡኦምን ይገብሩ እዩ፣ ንጹ…
❤16
30 Aug 2026, 15:34 UTC239 views7 reactionsread 3 September 2026 Forwarded from @D_n_kibrom_desta
7 ( ፯) ነገራት ኣሕዋተይ ገንዘብ ካብ ንፈጣሪ ምልማን ንእዚኦም ምፅላይ ይበልፅ .......... እዚ ተንብብ ተሃሊካ ዕድለኛ ኢካ
1. ራእይ (Vision) 👁️
ብዘይ ራእይ ንምውዳቕ ቀሊል እዩ። ዕላማ ጥራሕ ኣይኮነን ዘድልየካ፤ እምነትካን ተግባርካን ዘብርትዕ ንጹር ራእይ የድልየካ እዩ ።
ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ክፍጸም ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝደክምና ብዙሕ ዕላማታት ስለ ዘለና እዩ፤ ግን ንጹር ኣንፈት ወይ ለለ መንገዲ የብልናን።
ስለዚ እግዚኣብሄር ራእይ ንክህበካ ራኢካ ምስ ናቱ ፍቃድ ሓደ ክኮን ሕተቶ ፀልይ ናብኡ
2. ስትራቴጂ (Strategy) 🛤️
እግዚኣብሔር ንኖህ ዝርዝር ነገር ሂብዎ እዩ። ንዳዊት ድማ ናይ ውግእ ሓይሊ ሃቦ።…
🥰5❤2
30 Aug 2026, 08:37 UTC306 views12 reactionsread 3 September 2026 Photo
እንቋዕ ኣብፀሐና ! 🙏☦️
እግዚኣብሔር ብሰላምን ብፍቕርን ናብዚ ቅዱስ ዕለት ኣብጽሓና።
በረኸት ቅዱስ ተክለ ሃይማኖት ይሕደረና ቅዱሳን ኣቦታትን ረድኤቶም ምሳና ይኹን። ኣሜን
እንቋዕ ኣብጽሓና! ☦️🙏❤️
https://t.me/wengiel81
❤12
29 Aug 2026, 16:29 UTC227 views21 reactionsread 3 September 2026 Forwarded from @D_n_kibrom_destaPhoto
ብጣዕሚ ልብካ ዝጉድእ፣ ርእስኻ ዘድንን፣ ደም ነፍስኻ ንብዓት ዘፍስስ ነገር እንተሃሊዩ …
ትማሊ ምሳና ዝነበሩ፣
ኣብ ገዛ እግዚኣብሔር ዘገልግሉ፣
«አግዚኣብሄር ብምምላክ ከምኡ ውን ንኣዴና ድንግል ማርያም ንቅዱስን ንቅድስት ቤተክርስቲያን ብፍቅሪ ኣገልጊሎም » ዝተሓጎሱ፣
ወዲ ክርስቶስን ጓል ክርስቶስን ተባሂሎም ዝፍለጡ፣
ኣርኣያና ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን…
ሎሚ ግና ካብ ሑቕፊ ቤተ ክርስቲያን ወጺኦም፣
ናብ ዓለም ተመሊሶም፣
ኣነባብራኦምን ህይወቶምን
ምስ ዓለምን ንዓለም ዝመስልን ኮይኑ ምርኣይ…
እዚ ንልብኻ ብጣዕሚ የሕምም።
ኣሕዋተይ… ኣሓተይ…
ምጹ ባ፣ ተመለሱ ባ።
ሑቕፊ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ገና ኣይተዓፀየን ።
እግዚኣብሔር ገና ይጽበየኩም ኣሎ።
ኣ…
😢12😭5❤4
29 Aug 2026, 04:53 UTC222 views18 reactionsread 3 September 2026 Forwarded from @D_n_kibrom_desta
ጎይታይ ፦ ንምንታይ ርሒቅካ ካባይ
ወደይ ፦ ይቅርታ ንስካ ኢካ ርሒቅካ ካባይ
ጎይታይ ፦ ዝኣመንክዎም ከዲዖምኒ ልበይ ጎዲኦምኒ
ወደይ ፦ ልብካ ክፅግኖ ተኣማኒ ዓርካካ ክኮን ንዓ ናባይ
ጎይታይ ፦ ግን ኮ ኩሉ ምስካዕ ኣቢኒ እዩ ችግር ኣብ ልዕሊ ችግር በፂሑኒ ተበደለ እየ
ወደይ ፦ ድሕሪ ሐዚ ምፃእ ናባይ ከብዲ ዓሳ ገዛካ ከም ዮናስ ማይ መርገፂካ ከም ጴጥሮስ ሰማይ መንገድካ ከም ኤልያስ ክኩን ዝኣበየካ ኩሉ ክትክእሎ ንዓ ናባይ ዝወደይ
ጎይታይ ፦ ግን ኮ ሞ እምነት የብለይ ኣብ ልበይ ክፉእ እየ ኣነ ኣምላከይ
ወደይ ፦ ልብካ ከም በረድ ከፃዕዲዮ እምነትካ ከም ጳውሎስ ከፀንዖ ንዓ ናባይ
ጎይታይ ፦ ግን እኮ ሕግካ ናጠሓስኩ እየ
ወደይ ፦ ኣነ ክዓ …
😢9❤4🥰4😭1
28 Aug 2026, 06:20 UTC383 views9 reactionsread 3 September 2026 1 ፍቕሪ ናይ ምሕረት ዓይኒ ኣለዎ፦
ክርስቶስ ናብ ዓለም ዝመጸ ንደቂ ሰባት ብድኻሞምን ብሓጢኣቶምን ክፈርደሎም ዘይኮነስ፡ ብፍቕሪ ኣልዒሉ ታሪኾም ንክልውጥ እዩ። ንሱ ኣብ መስቀል ኮይኑ እኳ ነቶም ዝሰቐልዎ ይቕረታ ኣወጀ እምበር፡ በደሎም ኣይጸብጸበን።
2 ካብ «ኣይትግበር» ናብ «ግበር» ምስጋር፦
ክርስትና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣወንታዊ ሰናይ ምግባር እዩ። ሰባት ክገብሩልና ከም እንደልዮ ንሕና ውን ንዓኣቶም ከነፍቅር፡ ይቕረ ክንብል፡ ብቕንዕና ክንጥምቶም ይግብኣና። ጽልኢ መዓልታዊ ጌጋታት ክጽብጽብ ከሎ፡ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ግን ሰላምን ዕረፍትን ይዘርእ።
3 ናይ ሓቂ ሰላም ውሽጣዊ እዩ፦
ናይ ሰላም መፍትሕ ኣብ ኢድ ካልኦት ዘይኮነስ፡ ኣብቲ…
❤7🥰1🙏1
27 Aug 2026, 04:58 UTC303 views13 reactionsread 3 September 2026 Forwarded from @D_n_kibrom_destaPhoto
«ኦ ማርያም፣ በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ፣ እስመ ወልድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን፣ ወስቴ ሕይወት ዘበአማን።» 🙏❤️
https://t.me/D_n_kibrom_desta
❤7🥰6
27 Aug 2026, 01:55 UTC353 views14 reactionsread 3 September 2026 Photo
" ኦ ጎይታ ወርቂ ንክትህበኒ ኣይምሕፀነካን። ሃብትን ንብረትን ዓድለኒ ኢለ'ውን ኣይልምነካን ፤ ንሳቶም ድሕነት ዝህቡ ኣይኮኑን 'ሞ።
ይቕሬታኻ ምርካብ ግን ካብ ወርቂ ይበልፅ።
ናይ ሓጥያት ስርየት ምርካብ 'ውን ካብ ብሩር ይልዕል ። "
✍ ቅ. ኤፍሬም ሶርያዊ
https://t.me/wengiel81
❤13🥰1
Showing the 12 most recent of 20 posts we hold for @wengiel81. View and reaction counts are the latest single reading for each post, not a live figure, and a recent post is still accumulating both. A view count marked ≈ was rounded by Telegram before we ever saw it — t.me prints views in full below 1,000 and to three significant figures above, so ≈1,200,000 means somewhere between 1,150,000 and 1,249,999. Unmarked counts are exact. Text is reproduced from the public post preview and truncated for length.