17 Dec 2024, 03:19 UTC710 views19 reactionsread 6 September 2026 ሓፋሽ ድኹም ሰብኣይ ኣዝዩ ኢዩ ዝፈቱ። እዝስ ደለ፡ምኾነ እቲ ኣዝዩ ግርርምምም ዝብለካ ነገር ግን ካብ ሓደ ከድሕኖ ዝኽእል ሓያል ሰብኣይ ፥ ነቲ ከጥፍኦ ዝኽእል ድኹም ሰብኣይ ዝመርጽ ሙኻኑ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ውን፡ ነቲ ሓያል ሰብኣይ ሓፋሽ ምስቲ ድኹም ሰብኣይ ሓቢሩ፥ ይቐትሎ ኢዩ። ሽዑ እቲ ድኹም ሰብኣይ ከኣ ነቲ ተኻላኻሊ ዘይብሉ ሓፋሽ ይቐትሎ። ባህሪ ሓፋሽ ሲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፥ ዜሮ ድምር ስልጣነ ኢዩ ኢልና ዶ ክንሓልፎ እዚ ጉዳይ፧
👍16🔥2❤1
11 Dec 2024, 03:31 UTC863 views7 reactionsread 6 September 2026 Photo
Photo, posted without a caption
👍7
11 Dec 2024, 03:31 UTC787 views22 reactionsread 6 September 2026 ኣልኮል ልዕሊ ጭንቀት ንሓንጎል ይኸራትሞ። ዝያዳ ኣልኮል ምውሳድ ንሂፖካምፓስ የንእሶ። ሂፖካንፓስ ማለት GPS(መማእዘኒ ካርታ) ናይ ሓንጎል ተባሂሉ ዝግለጽ ክፋል ሓንጎል ኢዩ። ሂፖካምፓስ እንተደኣ እንዳነኣሰ ከይዱ፥ ሓንጎልካ ከም ዘይቲ ዝተኻዕዎ መኽዘን ሓበሬታኡ ሸተተት ኢሉ ሓድሽ ሓበሬታ ዘይሕዝ ይኸውን። ዝኾነ ዝተማሃርካዮ ነገር ንእለቱ ትርስዖ። long term ንነዊሕ ዝዓለመ ራኢ ዘይተውጽእ ትኸውን። ኣልኮል ንሂፖካምፓስ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ሓሽሻት ክርትምትም የብሎ። ብዙሕ መስተ እንዳሰተና ክንከይድ እንከለና ሂፖካምፓስና ንኸራትሞ ኣለና ማለት ኢዩ። ኤእ ሰብኡት ክንበሃል ካሳ ረጊጽና ምሕዳር ኣየድልየናን ኢዩ። ዝያዳ ኣልኮል ግናይ ኢዩ። ኣዝዩ ግ…
❤13👍9
9 Dec 2024, 07:08 UTC684 views17 reactionsread 6 September 2026 ደረጃ ብልሕኻ ብዘየገድስ ፣ መዋዕልትኻ (your Circle) ጥራይ ብምቕያር ህይወትካ፥ ጥዕናኻ፥ ፍልጠትካ ፥ ሃብትኻ ክተበርኽ ከም ትኽእል ከዘክረካ/ኪ ይደሊ። መዋዕልትኻ ተጠንቂቕካ ምረጽ።
Your network can determine your net worth, assuming it is selected with care and discernment.
Samuel Okubay
❤13👍3🔥1
4 Nov 2024, 23:48 UTC872 views4 reactionsread 6 September 2026 https://youtu.be/_8yjDcRHq8M?si=tnor1DumZFTLH6Qn
❤3👍1
27 Oct 2024, 13:11 UTC805 viewsread 6 September 2026 ንዓለም መን ይመርሓ ፖለቲካዊ ስልጣን ዶ ወይስ ቁጠባዊ ስልጣን፧
https://x.com/samuelokubay22?t=BLHVGhGvxCbhvgwLj1mnsQ&s=09
27 Oct 2024, 03:39 UTC748 views16 reactionsread 6 September 2026 መብዛሕትኡ እዋን፡ ሕብረተሰብ፥ ዘሳቐዮምን፡ ዝነጸሎምን፡ ዝሳደዶምን ሰባት፡ ሓይሊ ደሊቦም፡ ተመሊሶም ነቲ ዘቐየሞም ግዳይ ዝገበሮም ሕብረተሰብ ፡ ናይ መከራ ጽዋእ ኣመንጊጎም የስትዩዎ፡፡ መወዳእትኡ ፡ እቲ ዝተዘርአ ይሕፈስ፡፡
መፍትሒ፥
1. ሓቛፍን መላስን ስልጣነ ናይ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ንሕብረትሰብ ካብ ፍርሕን ስስዐን ምንጋፍ፡፡
2. ነቶም ዝተበደሉ፥ ሕውየት ንምምጻእ መንፈሳውን ስነልቦናውን ኣብርሆት ፥ ብምዕላም፡ ይቕረ ምባልን ሕድገትን ምዕላም፡፡
3. ዝዓቢ ቆልዓ ዘይምብዳል
4. ብዛዕባ እቶም ንስልጣነ ከቐጽሉ ዝኽእሉ ኣዕኑድ "i Don't Care" ኣይግድሸንን ኢዩ ዘይምባል፡፡ ጽባሕ ደቕካ ንሳቶም ኣብ ዕዳጋ፡ ትምህርቲ፡ መውስቦ ክራኸቡ ከም ዝ…
👍12👏2🥰2
6 Oct 2024, 01:50 UTC749 views13 reactionsread 6 September 2026 👉እዚ ዘለኻዮ ቦታ ዝለዓለ ጫፍ፥ ይኹን ዝተሓተ ሲኦል፥ መወዳእታኻ ኣይኮነን። ግዝያዊ ኢዩ። ጽባሕ ካልእ መዓልቲ ኢዩ። እናሰራሕካ ተተስፎ።
👉ኣብ ዝለዓለ ጫፍ እንተሃሊኻ፥ ንዘለኻዮ መድረኽ ተጠቒምካ የዕሩኽ ግበር ። መኽንያቱ ናይ ግዜ፥ እንበር ናይ ሰብ ጅግና ስለ ዘየለ፥ ካብኡ ሸለው ምስ በልካ ዝድግፉኻ የድልዩኻ ኢዮም።
👉እንተደኣ በይንኻ ካብ ኩሉ ዝበለጽካን ዝዓበኻን ዓሳ ኮይኑ ተሰሚዑካ ፥ ነቲ ውቅያኖስ ንኹሉ ሓንቢስካ ስለ ዘይበጻሕካዮ ኢዩ።
👉ሰብ ብተፈጥሩኡ ፈራሕ ኢዩ። ስለዚ ምትባዕ ወይ ትብዓት ሞያን ምርጫን እንበር ተፈጥሮ ኣይኮነን። ነቶም እትፈርሖም ነገራት ብምልምማድ ትብዓት ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ።
👉ዓቕምኻ ደረቕ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ጠ…
❤12👍1
7 Sept 2024, 16:06 UTC759 views6 reactionsread 6 September 2026 ኣብ ምዕራብ Babay Boomers ወለዶ ቤቢ ቡመርስ እቶም ዝሃብተሙ ወለዶ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ሙኻኑ ትፈልጡ'ዶ፧ ብተዛማዲ ዓለም ኣብ ግዚኦም ሰላም ኔሩ። ቁጠባ ከኣ ኣብ ሰላም ኢዩ ዝህነጽ። ወፍርታት፥ ቢዝነሳት ፥ ገንዘብካ ስቅ ኢልካ ብዘይምብኻን ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ጌሮም። 70% ካብ ርእሰማላት ምዕራብ ክሳብ ሎሚ ምስኦም ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ሰላሳ ከኣ ናብ ብድሕሪኦም ዝተፈጠርና 4 ወለዶ ይከፋፈል። ቡመርስ ብዝግባእ ብዛዕባ ወፍሪ ፥ ብዛዕባ ገንዘብ፥ ብዛዕባ ርእሰማል ብዛዕባ ዕዳ ኣፍልጦ ኣለዎም። ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ 78 ትሪልዮን ዶላር ኣለዎም። ንሕና ውን ሎሚ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ዕድላት ኣብ ዘለዎ ግዜ ኢና ዘለና። ብፍላይ ኤኣይ። ግን ቁጠባ ኩሉ ነገ…
👍6
1 Sept 2024, 05:09 UTC900 views18 reactionsread 6 September 2026 መስተንክራት ብምትብባዕ ኣይህነጹን ኢዮም
እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ንመጻኢኻ መወዳድርትኻ ስለ ዝሰዓሩኻ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንስካ ሕጂ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገር ፥ ንኸይትገብር ዝኽልክለካ ዘሎ ረብሻታት ናይ ህይወት ኢዩ። ኩሉ ኣተኩሮኻ ካብቲ ዕላማኻ ኣውጺኡ ናብ ባህሌላን ባጫና ዘእትወካ ጸላኢኻ ኢዩ። ኣብ ህይወት ክልተ ንዕላማኻን ንገዛእ ርእስካን ጥራይ ዝበዝሐ ክትህበን ዘለካ ነገራት ኣለዋ ግዜኻን ጸዓትካን። ነዚኤን ኢኻ ናብ ትነግደን ፥ ነዚኤን ናብ ሞያ ትቕይረን። ነዚኤን ናብ ገንዘብ ትቕይረን ። ነዚኤን ናብ ዓወት ትቕይረን። ነዚኤን ናብ ሰላም ፥ ምርግጋእ ህንጸት ትልውጠን። ነዚኤን ብኣተኩሮኻ ናብ ድላይካ ትቕይረን። ነዚ ክትገብር ግን ምትብባዕ ኣየድልየካን…
❤13👍5
20 Aug 2024, 20:24 UTC851 views5 reactionsread 6 September 2026 ኣብ ሓጺር ግዜ ክትህብትም ትደሊ'ዶ፧
ከይሰራሕካ ካልኦት ብዝሰርሑዎ ገንዘብ ክትገብር ትደሊ'ዶ፧
ኣብ ትሕቴኻ ሰባት ኣምጺኻ ካብኦም ዘየቋርጽ ኣታዊ ክትገብር ትደሊ'ዶ፧
ገለ ካብቲ ናይ MLM ትካላት ከታልላ ዝገብረኦን ዝሸጥኦን ሕልሚ'ዩ።
እንተኾነ MLM ጸረ ርእሰማልነት ኢዩ። MLM ዘመናዊ መስፍናውነት ኢዩ።
MLM ንሓበሻ ኣተኩሮ ብምግባር ንህዝብና ኣብ ምትላልን ባእስን ኣደዳ ዘይብቑዓት መታለልትን ዝገብር ዘሎ ቢዝነስ ሞደል ኢዩ።
https://www.youtube.com/live/QJilpTMuog8?si=anOl3TFxaKHDZZxC
👍5
20 Aug 2024, 00:44 UTC713 views4 reactionsread 6 September 2026 ሓንጎል ሰብ 86 ቢልዮን ኒውሮናት ኣለዎ። ብመንጽሩ 100 ትሪልዮን ርክባት ክፈጥር ይኽእል። ከም ኣብነት ኤኣይ ጂፒቲ 4ኦምኒ ፥ እንተደኣ ርኢና 1 ትሪልዮን parameters ኣለዎ። ብተዛማዲ ከም ርክባት ኣብ ሓንጎል ዓይነት። በዘን 1 ትሪልዮን ጥራይ እንታይ ክሰርሕ ክኢሉ ኣሎ፥ ርኢናዮ ኣለና። ሓድሽ ነገር ናይ ምምሃር ዓቕሙ ዘረባ የብሉን። 100 ትሪልዮን ርክባት ክፈጥር ዝኽእል ምስ ኮነ፥ ካብ ሓንጎል ሰብ ክበልጽ ወይ ክመዓራረ ይኽእል ዶ፧ እቲ መልሲ እወ ብርግጽ ኢዩ። እዚ ፍጡር እዚ እንዳ ፈለቐ ኢዩ ክኸይድ። ማዕረ ክንደይ ምስ ዕላማን ራእን ሰባውያን (ንሕና ደቂ ሰባት) ተሳንዩ ይኸይድ ካብቲ ወትሩ ዘተሓሳስበኒ ሕቶ ኢዩ። መኽንያቱ በሊሕ ኢዩ። ብልሒ …
👍4
Showing the 12 most recent of 20 posts we hold for @samuelokubay. View and reaction counts are the latest single reading for each post, not a live figure, and a recent post is still accumulating both. A view count marked ≈ was rounded by Telegram before we ever saw it — t.me prints views in full below 1,000 and to three significant figures above, so ≈1,200,000 means somewhere between 1,150,000 and 1,249,999. Unmarked counts are exact. Text is reproduced from the public post preview and truncated for length.