1 Sept 2026, 08:46 UTC95 views7 reactionsread 3 September 2026 .
' ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ። እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ። ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ #ነፍሱ_እንተ_ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? ' ማቴ 16፥24-26፤
ግጥሚ #148
#ቅዱስ_ቝማር!
ንዘልዓለማዊነት ፡ ዘመን ዘይቝፀር
መንግሥተ ሰማያት ፡ ህይወት ዘይስፈር
#ኦዱ ኣስተውዒልኻ
ሓላፊ መፃኢ ፡ ብትኵረት ርኢኻ
ዓስቢ ኣማዕዲኻ
ብልቢ ኣእምሮ ንኵሉ መርሚርኻ ……
ቐልጢፉ ዝሓልፍ ፡ መዋእል ዕድሜና
ድኻም…
❤3🔥2🥰2
27 Aug 2026, 12:16 UTC200 views14 reactionsread 3 September 2026 .
'ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ #ሓለቓ_ሰላም! ” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ። ' ኢሳ 9፥6፤
ግጥሚ #147
#ሰላመይ!
ነቲ ሓለቓ ሰላም ፡ ክርስቶስ ዝፈልጥ ሰብ
ኣእምሮ ኣብ ዝሓልፍ ሰላም ፡ ውሽጢ’ዩ ዝርከብ!
' እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ #ሰላም_እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ። ' ፊልጵ 4፥7፤
ብኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤
01 / …
❤13🥰1
24 Aug 2026, 03:18 UTC229 views12 reactionsread 3 September 2026 Forwarded from @frezzerDNPhoto
"እግዚኣብሔር #ኩሉ-ከኣላይነቱ ሓንቲ ሻብ እንተዝህበኒ ፥ ኣብ ዓለም ብጣዕሚ ብዙሕ ነገራት ምለወጥኩ ኔረ ... 🫤
.
.
.
.
.
ግን! ፥ #ኩሉ-ፈላጣይነቱ (ኣብ ልዕሌኡ) እንተዝውስኸኒ ፥ ንኹሉ ነገር ምንም ከይነኻእኹ ምገደፍክዎ!።" 😇
✍ ካብ ኣቦታት ሓደ
(ምናልባት ንናይ ብዙሕ ሰብ ሕቶ መልሲ ክትከውን ስለትኽእል ፥ ናብ ትፈልጥዎም ሰባት share ግበርዋ )
❤11🔥1
22 Aug 2026, 10:03 UTC423 views14 reactionsread 3 September 2026 Photo
.
ግጥሚ #146
#ኸዕብዮ_በልዮ!
በይኑ ኣይትሕደግዮ!
ወድኺ እንትሞት ፥ ልዕሊ ዕፀ መስቐል
" እንሆ ኣዴኻ! " ኢሉ ፥ ሂቡና እኖ ክንካፈል
ላበይ 'ማ ነቒልኺ ፥ 'ትገብሪ ፍልሰትኺ
ሓደራ ውሉድኺ ፥ ኣብ ምድሪ ሓዲግኺ ! ?
ገና ድኵም እዩ ፡ ምሕብሓብ ዘድልዮ
ካብ ኽፉእ ሓልያ ፡ ብጥበብ 'ትቓንዮ
ገና ኣይፀንዐን ፡ ፀባ ኣይሓደገን
ታተ ኣይጀመረን ፡ እግሩ ኣይረገፀን . . .
ቐምሽኪ ክድገፍ ፡ ካብ ኢድኪ ክበልዕ
ብደስታ ክጫወት ፡ ቓልኺ ንኽሰምዕ
' ሕቖፍኒ እኖይ ' 'ናበለ ፡ ኣምሪሩ እንትበኺ
ኣይሰማዕኽን ግዲ ፡ ንድዅም ወድኺ ?
ኣብ መዓልቲ ዕርገትኺ ፡ ብደስታ እንትዝምሩ
ቐዳሞት ዓበይቲ ውሉዳ…
❤14
21 Aug 2026, 13:05 UTC204 views14 reactionsread 3 September 2026 .
ግጥሚ #145
#መኃልየይ!
#መርኃ ዊት ማርያም!
#ወሪድየ ብሔረ ... ርኢክዋ ፡ ኣእመርክዋ ወ ኣፍቀርክዋ !
ወሪደ ፡ ሪአያ
ኣእሚረ ፡ ኣፍቂረያ ...
ልዕሊ ኣፍኣዊኣ ፡ ስርሒት ቝኖኣ
ደጋዊ መልክዓ ፡ ኽቡር ዓለባኣ
ልዕሊ እቲ ፅባቐ ፡ ወርቒ እሱር ገይፃ
ትርኢት ዓለማዊ ፡ ሓሊፋ ትርአ ፥ ደሚቓ በሊፃ !
ከም መርከብ ነጋዶ ፡ በዚሑላ ምርኮ
ዓምዲ ትኪ መሲላ ፡ ልበይ ‘ትባርኮ
ካብ ምድረበዳ ትድይብ ፡ ፍቱው ተደጊፋ
መዓዛ ከርበ ዕጣን ፡ ዓይነታት ቀመማት ፡ ዅሉ ተሓቝፋ ...
ዝተባረኸት እያ ፡ ፍቕሪ ውሽጣ እኒኦ
ጭካነይ ቐቲሉ ፡ ንብዓተይ(ንሰሓይ) ዘምፅኦ
ሰብ እ…
❤7🔥6👍1
19 Aug 2026, 04:37 UTC238 views13 reactionsread 3 September 2026 .
" . . . እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ፥ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። #ዝብሎውን_ኣይፈልጥን_ነበረ። . . . " ሉቃ 9፥33፤
ግጥሚ #144
#ኣነ_እየ_ታቦር!
ብሕጊ ብነብያት
ብመሠረት ሐዋርያት
ተጋጢመ ዝተሓነፅዅ
ናብ ርእሲ መኣዘንት . . . .
ፃዕዲዉ በሪሁ
ኢየሱስ ልዒሉ ዝርከቦ
ደመና መንፈስ ቅዱስ
ኽብሪ ፥ ግርማ ዝኸበቦ
' ንዕኡ ስምዕዎ
ደስ ንዘብለኒ ወደይ! '
ዝብል ድምፂ ሰማያዊ ኣቦ
ዘጋውሕ ህይወተይ .…
❤13
17 Aug 2026, 12:07 UTC259 views19 reactionsread 3 September 2026 .
ግጥሚ #143፤
#ገና_ሓጥእ!
ገና ሓጥኣን ‘ኸለና ፡ ኣምላኽ ብሓደ ወዱ
ኣርእዩና ፍቕሩ ፡ ክስቐል ሰዲዱ . . .
ሕዝውን ገና ሓጥእ እየ ፡ ምስ ድኻም ነባሪ
ብወዱ ዝርእየኒ ፡ ብመንፈስ ዝሕገዝ ፥ ለለ ተፈቓሪ !
' ንሕና #ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። ... ግና ንሕና፥ #ገና_ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። ... #ንሕና_ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን! ' …
❤19
7 Aug 2026, 13:07 UTC798 views17 reactionsread 3 September 2026 .
' ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ #ከመይ_ዝበለ_ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ... ' 1ይ ዮሃ 3፥1፤
ግጥሚ(#ጸሎት) 142፤
#ምጉዳል_ንምልኣት!
ኵሉ እቲ ናትኻ
ዘለካ ጥሪትኻ
ምስ ሃብኻኒ ንዓይ ፡ ሓንቲ ከየቕረኻ
ኣነ ግን መቒለ ፡ ንባዕለይ ኣትሪፈ
ኣብ ኢደይ ሓቢአ ፡ ንድሕሪት ዓፂፈ
ኻልአይታ ኣርእየካ
ካብ ፍቕሪ ጐዲለ ፡ ፍርቝ ኣቕሪበልኻ !
ኣነ
ንጐይታይ ፡—
ምስኣን ናፊቐ ፡ ባዶነት ሃሪፈ
ብጸሎት ቕድሜኻ ፡ ኣብራኸይ ዓፂፈ
“ ጐይታይ ኣን’እሰኒ
ምንም …
❤17
6 Aug 2026, 17:27 UTC349 views27 reactionsread 3 September 2026 .
#109 #ፍልሰተይ!
መንፈስ ቅዱስ ክወርደኒ
ሓይሊ ልዑል ውን ክፅልለኒ
ፍረ ማህፀንኺ ፡ ፍረ ህይወተይ ኾይኑ
ኣብ ልበይ ክውለድ ፡ ንዓየ ኣድሒኑ
ንርእሰይ ክሒደ ፡ መስቀለይ ክሽከም
ካብ ሥጋ ወፂአ ፡ ብመንፈስ ክእለም
ንሓጥእ ወድኺ(ንዓይ) ፡ ብፀሎት ዘክሪ
ኣብ ጊዜ ፍልሰትኺ ፡ ፍልሰተይ ግበሪ !
ኽብሪ ንእግዚአብሔር !
ብኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤
ዓርቢ 01 / 12 / 2017 ዓ.ም.
.
🥰16❤11
Channel photo updated
5 Aug 2026, 18:18 UTC341 views25 reactionsread 3 September 2026 .
ምልኵዕ ንዝኾነ ክርስቶስ ዝኣምንን ዘፍቅርን ሰብ ፡ ውልደቱን ህይወቱን ክረግምን ኽፀልእን ኣይኽእልን።
ግጥሚ 141
#ውልደተይ_ባሪኸ!
ዋላ ብዙይ ኵነት
ስቕያት ናይ ዓለም ፡ መከራ ጦርነት
ልደተይ ባሪኸ ፡ ኣመስጊነ ስምኻ
ሓላፊ ሓሊፈ ፡ ርእየ ህያባትኻ !
ክርስቶስ ልደተይ
ሓዱሽ ፍጥረተይ
እንኳዕ ፈጠርኻኒ ፡ ህላወ ሃብኻኒ
መልኽዕን ምስልኻን ፡ እንኳዕ ዓደልኻኒ
ብሕያዋይነትኻ ፡ ዘልዓለም ፍቕርኻ
ተርእየ ምፍጣረይ ፡ #ሕጉስ_እየ ብኣኻ !
ምእማነይ ንዓኻ !
" እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ #የመና_ፅቡቕ_ነበረ።" ዘፍ 1፥31፤
…
❤25
1 Aug 2026, 07:57 UTC618 views17 reactionsread 3 September 2026 .
ወንጌል ዘዮሐንስ ምዕራፍ 4፤
ግጥሚ #140
#ደልዩ_ስታይኡ!
ንስኻ ከለኻ ፡ ዝፀምአካ
ኣስትየኒ ዝበልኻ ፡ ማየይ ከስትየካ
‘ታማ ተገልቢጥኻ ፡ ማይ ህይወት ስተይ
ኢልኻ ትነግረኒ ፥ ኽቝረፅ ፅምኣተይ ?
ፀሚአ ዝበለስ ፡ ለካስ ይፅማእ እዩ ማይ
ተረኺቡ ብሰብ ፡ እስካብ ዝስተይ
ማይ ህይወት ባዕሉ ፡ ናባየ መፂኡ
ክስተይ ናፊቝ ፡ ደልዩ ስታይኡ!
ስተየኒ እናበለ ፡ ቐራንዮ ወፂኡ
ናባይ ውሒዙ ፡ ፅምአይ ተፀሚኡ !
ተባረኽ ኢየሱስ ፡ ፅሙእ ማይ ህይወተይ!
ክርስቶስ ይደልየካ እዩ እሞ ፥ ድለዮ። ኸምቲ ንሕና ንመንፈሳውያን ፍረታት እንደልየን ፥ መንፈሳውያን ፍረታት እውን ንደ…
❤12🥰5
Showing the 12 most recent of 20 posts we hold for @Orthodox_poetry. View and reaction counts are the latest single reading for each post, not a live figure, and a recent post is still accumulating both. A view count marked ≈ was rounded by Telegram before we ever saw it — t.me prints views in full below 1,000 and to three significant figures above, so ≈1,200,000 means somewhere between 1,150,000 and 1,249,999. Unmarked counts are exact. Text is reproduced from the public post preview and truncated for length.