15 Aug 2026, 05:47 UTC208 viewsread 15 August 2026 Photo
🇪🇸🔥 ላሊጋ ስፔን 2026/27 ሎማዓንቲ ኽጅመር እዩ...❗
🏆 ባርሴሎና ዝሓለፈ ዓመት ፅዋዕ ላሊጋ ድሕሪ ምልዓሎም ሎሚ ኣብ ዝጅምር ሓድሽ ውድድር ዓመት እውን ፅዋዕ ንምድጋም ተዳልዬም ኣለው።
⚪ ሪያል ማድሪድ ብጆዜ ሞሪንዬ ናብ ዝነበርዎ ሓያልነት ዳግም ናብ ላዕሊ ንምምላስ ተዳልዬም ኣለው።
🔴 ኣትሌቲኮ ማድሪድ ነዞም ክልተ ግዙፋት ክለባት ክፈታተኖም ዘክእል ዓቅሚ ንምህናፅ ሐዚ እውን ብሰፊኡ እናሰርሕሉ ይርኸቡ።
🔥 ግጥም El Clásico ካብ ብሐዚኡ ብዙሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣሎ።
ውድድር ላሊጋ ዓመተ ስፖርት 2006/27 ሎሚ ምሸት 2:30 ሓደ ኢሉ ጉዕዝኡ ኣብ መንጎ 20 ኽለባት ንዝቅፅል ሓደ ዓመት ሙሉእ ምክያድ ኽጅምር እዩ።
ዲፖርቲቮ ኣላ…
Signed Amanuel Getachew
15 Aug 2026, 05:46 UTC196 viewsread 15 August 2026 Photo
💥 ፖርቹጋላዊ ንጉስ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሓዱሽ ቅዲ ፀጉሪ ናብ ሙሉእ ልምምድ ተመሊሱ ኣሎ።
ሎሚ ምሸት ኣብ ፈላማይ ፀወታ ሳውዲ ፕሮ ሊግ አል ናስር ምስ አል ፋታህ ምሸት ስዓት 3:00 ኣብ ኣል አዋል ስታድየም ፀወትኦም ኸሳልጡ እዬም። CR7 ድማ ክካተት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኮይኑ ኣሎ።
አል ናስር ብአሰልጣኒ አንጌ ፖስቴኮግሉ እናተመርሑ ፈላማይ ናይዚ ዓመት ግጥሞም ኸካይዱ እዬም።
Signed Amanuel Getachew
15 Aug 2026, 04:54 UTC226 viewsread 15 August 2026 Photo
🇮🇹 ጣልያናዊ ብሉፅ ኣጥቃዒ ቺሮ ኢሞቢሌ ዓርሱ ካብ ዝፈትዎ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መበል 36 ዕድምኡ ከም ዘግለለ ዕላዊ ገይሩ።
ኣብ ዘመንና ካብ ዝረኣናዮም ብሉፃት ቁፅሪ 9 ሓደ ዝኾነ ቺሮ ኢሞቢሌ ኣብ 2019/20 ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዘለዎ ብ36 ሽቶታት ብዙሕ ሽቶ መቁፅሪ ሴሪ አ ኮይኑ ወዲኡ እዩ።
ብሓፈሻ ቺሮ ኢሞቢሎ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ....
713 ፀወታታት
367 ሽቶታት
90 ኣሲስት
- ፅዋዕ ዩሮ 2020
- 4 ግዘ ብዙሕ ሽቶ መቁፀሪ ሴሪ አ
- 1 ወርቃዊ ጫማ ኣውሮፓ
#ናይና_ስፖርት_ሕርያ_ኹሎም_ኣፍቐርቲ_ስፖርት
Signed DANIEL HADUSH
14 Aug 2026, 08:55 UTC378 viewsread 15 August 2026 Photo
ሰናይ ዜና
ጋንታ ብሽክለታ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ አልጀርያ ንዝካየድ ዓለምለኸ ውድድር ቱር ብሽክሌታ ንኢትዮጵያ ወኪላ ክትሳተፍ ዕድመ ከም ዝቀረበለ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ፌደሬሽን ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ናብ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይ ኣብ ዝፅሓፎ ዕላዊ ደብዳቤ ናብዚ ውድድር ኢትዮጵያ ክትወዳደር ዝተዓደመት ኮይና በዚ ድማ ካብ ትግራይ ሓንቲ ጠንካራ ጋንታ ከም ዝደልዪ ሓቢሮም።
ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይ ብመሰረት እናካየዶም ዝሓገየ ውድድራት ብሽክሌታ ውፅኢት ስርርዕ ዘካየደ ኰይኑ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ድማ ዝበለፀ ነጥቢ ብምሓዝ ክትሕረ ክኢላ።
እቲ ውድድር ካብ ጥቅምቲ 3 ክሳብ ጥቅምቲ 9 / 2026 ኣ /ፈ ከምዝካየድን ካብታ…
Signed Amanuel Getachew
14 Aug 2026, 08:54 UTC346 viewsread 15 August 2026 Photo
🔴 አርሰናል ንናይጄሪያዊ ቪክተር ኦስሜን ካብ ጋላታሰራይ ንምፍራም ምንቅስቃስ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።
አርሰናል ዕላው ሕቶ ገና ዘየቅረቡ ኮይኖም ምስ ዝውውር ጋብሪኤል ማርቲኔሊ ንምትሕሓዝ እናሓሰቡ ከምዘለው ተመላኺቱ ኣሎ።
Signed Amanuel Getachew
14 Aug 2026, 08:54 UTC340 viewsread 15 August 2026 Photo
🔴 ኣብ ዝመፅእ ውድድር ዓመተ ስፖርት ሳልሳይ ተመራፂ ማልያ ማንችስተር ዩናይትድ ኸምዝስዕብ ኮይኑ ኣሎ።
ከመይ ትሪእዎ....??
Signed Amanuel Getachew
13 Aug 2026, 05:15 UTC489 views9 reactionsread 15 August 2026 Photo
🌍⚽ ካብ መሪር ሓዘን ናብ ዓብዪ ሓጎስ ፤ ሶማላዊ ዳይና ኣርታን ታሪኽ ፂሒፉ 🇸🇴🔥
ሶማላዊ ዳይና ኦማር ኣርታን ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ክሳተፍ ዝነበሮ ሕልሚ ዋላ እኳ እንተነበረ ናብ ኣሜሪካ ክኣቱ ኣይተፈቕደሉን።
ድሕሪኡ ግን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ አውሮፓ ንሱፐር ካፕ ክመርሕ ሸይሙዎ። ኣርታን ድማ ትማሊ ምሸት ኣብ መንጎ አስቶንቪላን ፒ ኤስ ጂን ኣብ UEFA Super Cup ዝተካየደ ፀወታ ዝመርሐ ፈላማይ ካብ አውሮፓ ወፃኢ ዝመፀ ዳይና ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ። 👏🏻
ፔዤ ንአስቶንቪላ ረቲዖም ዩዌፋ ሱፐር ካፕ ኣብ ዝተዓወትሉ ኦማር ኣርታን ነቲ ፀወታ ዝመርሐሉ መንገዲ እናተወደሰ ይርኸብ። 🇸🇴
🥰6👍3
Signed Amanuel Getachew
13 Aug 2026, 05:01 UTC457 viewsread 15 August 2026 Photo
🚨 ቼልሲ ኤንዞ ፈርናንዴዝ ናብ ማንችስተር ሲቲ ንዝገብሮ ዝውውር ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ጊዜ ከምዝሃብዎ ተፈሊጡ። ቼልሲ 120 ሚሊዮን ፓውንድ ወይድማ ኣይሽወጥን ዝብል ቅዋም ሒዞም ኣለው።
ማንችስተር ሲቲን ማሬስካን ንማእኸል ተፃዋታይ ቼልሲ ኤንዞ ፈርናንዴዝ ምድላዬም ሲዒቡ ካብ ክለብ ምዕራብ ለንደን ንኽወስድዎ ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ስዓት 11:00 ጊዜ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ማንችስተር ሲቲ ምስቲ ተፃዋቲ ወኪል ዉሱን መዓልትታት ዝተዘራረቡ ኮይኖም ብወገን ቼልሲ ግልፂ ቅዋሞም ግልፂ ጌሮም እዬም። ንሱ እውን 120 ሚልየን ፓውንድ ክፊልኹም ውሰዱ ኢሎም ኣለው።
ክሳብ ፅባሕ ዓርቢ ስዓት 11:00 እንድሕር ንኤንዞ ፈርናንዴዝ ዝተለጠፈ ዋጋ እንተዘይተኸፊሉ እቲ ተፃዋቲ ኣብ…
Signed Amanuel Getachew
12 Aug 2026, 20:57 UTC468 viewsread 15 August 2026 Photo
ፓሪስ ሰን ዠርመ ሻምፒዮን ሱፐር ካፕ ኮይኖም !!
ብልዊስ ኤንሪከ ዝምርሑ ጋንታ ፓሪስ ሰን ዠርመ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዘ ሻምፒዮን ሱፐር ካፕ ኾይኖም።
ኣብ ሳልዝበርግ ንኣስቶን ቪላ ዝገጠሙ ጋንታ ፓሪስ ሰን ዠርመ ብሽቶታት ክቫራስትኼልያን ዱዌን 2-1 ብምዕዋት ሻምፒዮን ኮይኖም።
ብተኸታታሊ ሻምፒዮንስ ሊግ ዝተዓወቱ ፓሪስ ሰን ዠርመ ሐዚ ድማ ሱፐር ካፕ እውን ክደግምዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ኣብ ክለባት እንግሊዝ ዘለዎም ፀብለልታ ዘቀፀሉ ፔዠ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብዚ ፍፃመ ንቶተንሃም ምርታዖም ይዝከር።
ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ሽቶ ኣስቶን ቪላ ዘቁፀረ ሉግዘምበርጋዊ ብርያን ማጆ ኣብ ሱፐር ካፕ ታሪኽ ብዕድመ ዝነኣሰ (17) ሽቶ ዘቁፀረ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።…
Signed DANIEL HADUSH
11 Aug 2026, 09:43 UTC561 viewsread 15 August 2026 Photo
➧ ቤልጅየማዊ ኣጥቃዒ ሮሜሉ ሉካኩ ናብ ቱርኻዊ ክለብ ፌነርባቼ ክፅንበር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።
ፌነርባቼ ነዚ ዝውውር ከባቢ 6 ሚሊዮን ዩሮ ንናፖሊ ዝኸፍል እንትኸውን ሉካኩ ኣብ ዝመፁ መዓልትታት ሕክምና ምርመራኡ ከካይድ እዩ።
ሉካኩ ድሕሪ ጋንታ ኣንደርሌክት ንፈለማ ግዘ ካብ ኣውሮፓ ሓሙሽቲአን ዓበይቲ ሊጋት ወፃኢ ክፃወት እዩ።
#ናይና_ስፖርት_ሕርያ_ኹሎም_ኣፍቐርቲ_ስፖርት
#Nayna_Sport_Choice_For_All_Sport_Fans
#ስፖርት_ንሰላም_ስፖርት_ንፍቅሪ_ስፖርት_ንሓድነት
▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰▰
Signed DANIEL HADUSH
11 Aug 2026, 07:55 UTC546 viewsread 15 August 2026 Photo
🚨 ሓሶት ዜና ዝዘርጋሐ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ....!
🇹🇷 ኣብ ቱርኪ ዝነብር ጋዜጠኛ ቡርሃን ካን ተርዚ ብምኽንያት ተፃዋታይ ባየርን ሙኒክ ጃማል ሙሲያላ ናብ ጋላታሳራይ ክፅንበር እዩ ኢሉ ዝሰራጨዎ ዜና ብፖሊስ ተታሒዙ እዩ። 😳
🟡🔴 ጋላታሳራይ ነቲ ዜና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኳኑ አረጋጊፆም ኣለው።
⚠️ እቲ ጋዜጠኛ ድማ ብፖሊስ ኣብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓሉ ምርመራ ዝተገበረሉ እንትኸውን ድሕሪ እቲ ምርመራ ተፈቲሑ ኣሎ።
Signed Amanuel Getachew
11 Aug 2026, 05:11 UTC513 viewsread 15 August 2026 Photo
🚨💥 ትራምፕ ንኢንፋንቲኖ ደጋፉ ኣርእዩ....!
🇺🇸 ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ካብ መሪሕነት FIFA እንተወፂኡ ንFIFA ከቢድ ናይ ገንዘብ ሳዕቤን ክመፃእ እዩ ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
⚽ ትራምፕ ንኢንፋንቲኖ ከም ዓርኩን ደጋፊኡን ዝገለፆ እንትኸውን ኣብ መፃኢ ምርጫ እውን ዳግማይ ክምረፅ ከምዝግባእን ደጋፉ ከምዘርእዬን ሓቢሩ።
ዩዌፋ ሓዊሱ ካልኦት ኮንፌዴሬሽናት ዝርኸብሉ ኢንፋንቲኖ ካብ ሓላፍነቱ ንኽወርድ ፃዕርታት እናገበሩ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።
Signed Amanuel Getachew
Showing the 12 most recent of 13 posts we hold for @naynasportAmanuelgetachew. View and reaction counts are the latest single reading for each post, not a live figure, and a recent post is still accumulating both. A view count marked ≈ was rounded by Telegram before we ever saw it — t.me prints views in full below 1,000 and to three significant figures above, so ≈1,200,000 means somewhere between 1,150,000 and 1,249,999. Unmarked counts are exact. Text is reproduced from the public post preview and truncated for length.