8 Aug 2026, 08:11 UTC514 views3 reactionsread 8 August 2026 Photo
ኣብ ዉሽጢ ክልተ ወርሒ ጥራሕ 6 ኣባላቱ ምጭዋዮምን ምእሳሮምን ምንግልተዖምን ዉድብ ናፅነት ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድቦ ጭውያን ብመጭወይትን ማእሰርትን ተሰኲኑ ዘቋርፆ ቃልሲ ፍጹም የለን ኢሉ ኣሎ።
ውድብ ናፅነት ነሓሰ 1/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝበሎ : ኣሸናፊ ካሕሳይ ዝተብሃለ ኣባሉ እንትጭወ : ካሕሳይ ኣብራሃ ሓጎስ : ካሕሱ ኪዳነን እዝጋኣምን ተኽለብርሃን ተኣሲሮም እዮም።
ፍስሃ ገ/ማርያምን መንገሻ ገ/ማርያምን ድማ ተኣሲሮም ብብላዕ ተፈቲሖም ኢሉ ኣሎ ውድብ ናፅነት።
ነቲ ጭውያ : ማእሰርትን ምንግልታዕን ብትሪ ዝኾነነውድብ ናፅነት : ኣባላትን ደገፍቱን ነቲ ' ብዓፋኒ ጉጅለ ' ተፈፂሙ ዝበሎ ተግባር ብትሪ ኣብ ምቅላስ ኣብ ጎኑ ክ…
😢3
7 Aug 2026, 20:54 UTC689 views16 reactionsread 8 August 2026 Photo
ብምኽንያት ፆመ ፍልሰታ ምህላ ስርዓት ከምዝሳለጥ ምምሕዳር ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ቅድስቲ ኣኽሱም ፅዮን ኣፍሊጡ።
እቲ ስነ-ስርዓት ምህላ ንዝቕፅሉ ተኸታተልቲ 14 መዓልታት እዩ ክካየድ።
ምምሕዳር ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ቅድስቲ ኣኽሱም ፅዮን " ኩልና ብምህላን ብጸሎትን ንፈጣሪና ብሕብረት ንለምን " ክብል ምዒዱ።
ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ምእመን ብሕልናን ብጸሎትን ክሓብር ዝፀወዐ ምምሕዳር እቲ ርእሰ ኣድባራት : "እግዚኣብሔር ጸሎትናን ምህላናን ይስማዕ ፤ ንሃገርናን ንህዝብናን ሰላምን ምሕረትን ይልኣኸልና!" ዝብል መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
@tikvahethiopiatigrigna
❤16
7 Aug 2026, 06:15 UTC810 views28 reactionsread 8 August 2026 Photo
ፆመ ፍልሰታ ዝጠመዩ ብምዕንጋል ዝዓረቑ ብምልባስ : ዝተበኣሱ ብምትዕራቕ : ዝሓመሙን ዝተኣሰሩን ብምሕታት ክነሕልፎ ይግባእ ኢሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጰሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኲስም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት።
ኣብ'ዚ ቅንያት " ቅዱስ ቁርባን ብምቕባልን ንስሃ ብምእታውን ሓጥያትና ንዝስሪ ፈጣሪ ንለምን " ክብሉ ወሲኾም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ።
ስግኣት ሃገርን ዓለምን ዝኾነ ፍጥረትን ንብረትን ዘብርስ ኲናት ደው ክብልን ክቕንጠጥን ንፈጣሪ ብቕንዕናን ትሑት ስብእናን ምልማን ከምዘድሊ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም።
@tikvahethiopiatigrigna
❤28
6 Aug 2026, 01:25 UTC927 views24 reactionsread 8 August 2026 Photo
መንገዲ አየር ህንዲ ንነበር ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ አየር ኢትዮጵያ አይተ ተወልደ ገብረማርያም ስራሕ መካየዲ ገይሩ ሸይምዎም።
ኣብ ሃገረ ህንዲ ብዕቤቱ ካልኣይ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኤር ኢንዲያን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝበሎ : መንገዲ አየር ኢትዮጵያ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብምምራሕ ብብርኪ ኣፍሪካ ስሙይ ክኸውን ዝገበሩ ተወልደ ገ/ማርያም መራሒ ስራሕ ክኾኑ መሪፁዎም።
ተወልደ ገ/ማርያም ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍነት ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 2014 ዓ.ም ብምኽንያት ጥዕና ካብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምልቃቖም ይዝከር።
@tikvahethiopiatigrigna
❤21👏3
6 Aug 2026, 01:23 UTC891 views7 reactionsread 8 August 2026 Photo
ኣብ ክንዲ ንጠረጴዛን ሰላምን ንሓይሊ መልጢ ዝመረፁ ሓይልታት ህይወት ሰብ ብኣስካሕካሒ ናብ ዝበልዕ ኲናት ምእታዎም ከምዘወግዝ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ዳግም ዝጅመር ኲናት መዕረፊኡ ዘይፍለጥን ኢድ ብዙሓት ሓይልታት ዘለዎን ከምዝኸውን እናረደአ ምምፅኡ ዘፍለጠ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ : ብደም መናእሰይ ክፃወቱ ዝፈቐዱ ሓይልታት ነዚ ክሰምዑን ክርድኡን ኣይፈቐዱን ኢሉ ።
ዳግም ዝጀመረን ህይወት ሰብ ዝበልዕ ሓደገኛ ኲናት ንምቕልባስ ኹሉ መሓዛ ፀቕጡ ከሐይል ድማ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ።
@tikvahethiopiatigrigna
❤7
5 Aug 2026, 15:08 UTC934 views6 reactionsread 8 August 2026 Photo
ነበር ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ትግራይ ሃፍቱ ምቸአል ተኣሲሩ ተባሂሉ ።
እቶም ነበር ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ሓምለ 28/2018 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፀጥታ ትግራይ ምውዓሎም ተነጊሩ።
ነበር ኮሚሽነር ጀነራል ፓሊስ ትግራይ ሃፍቱ ምቸአል ቅድሚኡ ከንቲባ ሸራሮ ፣ ፀጥታ ሓላፊ ሰሜን ምዕራብን ኮይኖም ሰሪሖም እዮም።
@tikvahethiopiatigrigna
👏5❤1
4 Aug 2026, 21:03 UTC≈1,040 views27 reactionsread 8 August 2026 Photo
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተጋደደ ወጥሪ ክሃድእ ዝሓትት ዝዓለመ ፃውዒት ዘላቒ ሰላም ቀሪቡ።
ነቲ ፃውዒት ዘላቒ ሰላም ዘቕረበ ፋውንዴሽን ሰላም ኣውሮፓ (European Peace Foundation – EPF ) ሓምለ 28/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንዝጀመረ መስካሕክሕን ደማዊ ኲናትን ዘስዓቦ ኩለመዳያዊ ብርሰትን ኣዘኻኺሩ።
ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንዝጀመረ መስካሕክሕን ደማዊ ኲናት ሂወት ብርክት ዝበሉ ወገናት ቀጢፉ : ሚሊዮናት ኣፈናቒሉ ወሰንቲ መሰረት ልምዓት ኣዐንዩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኸበደ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ኢሉ መግለፂ ፋውንዴሽን ሰላም ኣውሮፓ።
ስለዝኾነ ድማ ዝሓለፈ ኩለመዳያዊ ኪሳራ ይኣክል ዝበለ እ…
❤27
4 Aug 2026, 15:27 UTC≈1,330 views26 reactionsread 8 August 2026 Photo
ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ፡ ልዕሊ 20 መዕቖቢ ኣባይቲ ተመዛልበቲ ሙሉእ ብሙሉእ ኣዕንዩ : ኣረጋውያን ጎዲኡ።
በቲ ሓደጋ ኣባይቲን ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ንብረትን ካልኦት ኣድለይቲ ናውትን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ሓምለ 28/ 2018 ዓ.ም ኣብ ማእኸል መዕቖቢ 70 ካሬ መቐለ ኣጋጢሙ ዝበለ ፅላል-ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ : ህፁፅ ሓገዝ ለገስቲ ሓቲቱ ኣሎ።
@tikvahethiopiatigrigna
😢17😭9
3 Aug 2026, 18:47 UTC≈1,110 views16 reactionsread 8 August 2026 Photo
በብርኪ ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 805 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ፈልሲ ተተኺሎም።
ኣብ'ቲ ሓምለ 27/2018 ዓ.ም ንጉሆ ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድን ( ዶ/ር) ን ልዕሊ 4 ሽሕ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ተሳቲፎሙሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ ምትካል ፈልሲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ መላእ ሃገር ተሳሊጡ እዩ።
ኣብ'ቲ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝተሳለጠ ተኸላ ፈልሲ 26 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ተሳቲፎሙሉ ኢሉ
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል።
ኣብ ክራማት ሎምዘበን ዛጊድ 6 ነጥብ 5 ቢሊዮን ፈልስታት ተተኺሎም ኢሉ እቲ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ።
@tikvahethiopiatigrigna
👎12❤4
3 Aug 2026, 17:56 UTC918 views3 reactionsread 7 August 2026 Photo
ካብ መንግስቲ ፍቓድ ወፃኢ ኣብ ኦንላይን ሎተሪን ቢንጎን ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብኣዋጅ 366/2018 ዓ.ም ክሕተቱ እዮም ኢሉ ቁፅፅር ክትትልን ስርዓት ንግዲን ከተማ መቐለ ።
" ህልዊ ኩነታት ተጠቒምካ ዘይግቡእ ሃፍቲ ምኽዕባትን ውልቀ ረብሓኻ ምቕዳምን ግቡእ ኣይኮነን " ዝበለ ቁፅፅር ክትትልን ስርዓት ንግዲን እታ ከተማ : ነባራት ኣዋጃትን ሕግታትን ንግዲ ከምዘለው ኾይኖም ብዘይፍቓድ ኦንላይን ሎተሪን ቢንጎን ዘፃውቱ ውልቀሰባት ብሓዱሽ ኣዋጅ 366/2018 ዓ.ም ክሕተቱ እዮም ክብል ወሲኹ ።
ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ትግራይ ፅወታ ቢንጎን ቤቲንግን : ካብ ቀረባ ጊዜ ንነዘ ድማ ዕፃ ሎተሪ ኦንላይን ተበራኺቱ ንብዙሓት ውል…
❤2👏1
3 Aug 2026, 17:44 UTC897 views1 reactionsread 7 August 2026 Photo
ኲናትን ወረ ኲናትን ምኽንያት ዝገበረ ወሰኽ መሰረታዊ ሸቐጣት ተገይሩ ኢሎም ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ።
እቲ ወሰኽ ዋጋ ብፍላይ ካብ ሓምለ 25/2018 ዓ.ም ብወገን ዞባ ምዕራብ መዋሰኒ ሃገረ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ምክልኻል ሃገርን ሰራዊት ትግራይን ዝተርኣየ ጎንፂ ተጋዲዱ ኢሎም እቶም ወሃብቲ ርኢቶ።
ነቲ ርኢቶ ሙሉእ ንሙሉእ ቅቡል ዝገበሩ ምምሕዳር ከተማታት እንዳስላሰ-ሽረ ኣክሱም ዓዲግራትን መቐለን ኣብ ወሰኽ ዋጋ ንዝገበሩ ነጋዶ ከምዝቐፅዑ ኣጠንቂቖም።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት ይኹን ካልኦት ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብትሪ ኣጠንቂቑ።
በቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ምኽንያ…
❤1
3 Aug 2026, 17:30 UTC869 views8 reactionsread 7 August 2026 Photo
ጋዜጠኛ ጥዑም ኣለሙን ኣንቃሒ ማሕበራዊ ሚድያ መዓርግ ኣማረን ብኣባላት ፀጥታ ተኣሲሮም።
ክልቲኦም ሓምለ 27/2018 ዓ.ም ካብ መቐለ ትግራይ ካብ ገዝኦምን መዓሎምን ተኣሲሮም ዝበሉ መቕርብ ተኣሰርቲ : ኣበይ ከምዝተኣሰሩ ከምዘይፈልጡ ወሲኾም።
ንዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣሰናዳኢ ዓንዲ ስፓርት ኮይኑ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ጥዑም ኣለሙ ሎሚ ኣብ ስራሕቲ ውልቁ ዝነጥፍ ኮይኑ : ነባር ተጋዳላይ መዓርግ ኣማረ ድማ ንፓለቲካ ትግራይ ኣምሪሩ ብምንቃፍ ይፍለጥ።
@tikvahethiopiatigrigna
❤3😢3👏1😭1
Showing the 12 most recent of 13 posts we hold for @TikvahEthiopiaTigrigna. View and reaction counts are the latest single reading for each post, not a live figure, and a recent post is still accumulating both. A view count marked ≈ was rounded by Telegram before we ever saw it — t.me prints views in full below 1,000 and to three significant figures above, so ≈1,200,000 means somewhere between 1,150,000 and 1,249,999. Unmarked counts are exact. Text is reproduced from the public post preview and truncated for length.